5 ስርዓት ኣደማምጻ LearnNoW
MENU
5 Uttale
5 ስርዓት ኣደማምጻ
ኖርወያውያን ተደመጽቲ ፊደላት
ኖርወያውያን ኣልፋቤታት ዕስራ ተደመጽቲ ፊደላት ኣለዉዎ፡
B C D F G H J K L M N P Q R S T V W X Z
ፊደላት < c, q, w, x, z > ዝውቱራት ኣይኮኑን፤ መብዛሕቱ ጊዜ ምስ ባዕዳዊ ቃላት ለቛሕ (camping, quiz, watt, xylofon, pizza) እዮም ዝዝውተሩ።
ገለ ርቦ ተደመጽቲ ፊደላት
1) ድምጺ /∫/
ኣብ ኖርወየኛ ናይ ገለኦም ተደመጽቲ ደሃይ ብርቦ ተደመጽቲ እዩ ዝቐርብ፤
| /ʃ/ ከም < sj > ክጸሓፍ ይኽእል፤ | ||
| < stasjon > | /stɑ'ʃuːn/ | ጣብያ፣ መነሃርያ |
| /ʃ/ ከም < skj > ክጸሓፍ ይኽእል፤ | ||
| < skjema > | /'ʃeːmɑ/ | ቅጥዒ |
| /ʃ/ ኣብ ቅድሚ < i, y, ei, øy > ክርከብ ከሎ ከም < sk> ይጽሓፍ < i, y, ei, øy >፤ | ||
| < skinke > | /'ʃiŋke/ | ቋንጣ ስጋ ሓሰማ |
| /ʃ/ ከም < rs > ክጽሓፍ ይኽእል፤ | ||
| < kurs > | /kʉ:ʃ/ | ስልጠና፣ ትምህርቲ |
2) ድምጺ /ç/
ድምጺ /ç/ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክጸሓፍ ይከኣል ፤
| /ç/ ብ < kj> ክግለጽ ይከኣል፤ | ||
| < kjøpe > | /'çøːpe/ | ገዝአ |
| /ç/ ኣብ ቅድሚ < i, y, ei, øy > ክርከብ ከሎ፡ ከም < k > ይኽሰት፤ | ||
| < kino > | /'çiːnu/ | ቺነማ |
| < kylling > | /'çyliŋ/ | ደርሆ |
| /ç/ ከም < tj > ክኽሰት ይኽእል፤ | ||
| < tjue > | /'çʉːe/ | ዕስራ |
3) ድምጽታት /ʈ/, /ɖ/ /ɳ/ /ɭ/ /ʃ/
ኣብ ኖርወየኛ፡ ጫፍ መልሓስ ንላዕሊ ዓጺፍካን፡ ቁሩብ'ውን ንድሕሪት ኣቢልካን ዝጥመጹ ውሱና ተደመጽቲ ድሃያት ኣለዉ። እንዚኣቶም ንምድማጽ፡ ታሕተዋይ ክፋል ጫፍ መልሓስ፡ እቲ ብወሽጢ ላዕለውይ ክፋል ናይ ቅድሚት ኣስና ዝርከብ ትንሓግ ይትንክፍ። ድምጽታት /ʈ/, /ɖ/ /ɳ/ /ɭ/ /ʃ/ ብውስስብ ፊደላት ይውከሉ።
| /ʈ/ ከም < rt > ክኽሰት ይከኣል፤ | ||
| < fortelle > | /fo'ʈele/ | ነገረ፣ ኣዘንተወ፣ ተረኸ |
| /ɖ/ ከም < rd > ክኽሰት ይከኣል፤ | ||
| < hvordan > | /'vuɖɑn/ | ከመይ |
| /ɳ/ ከም < rn > ክኽሰት ይከኣል፤ | ||
| < gjerne > | /'jæːɳe/ | ብሓጉስ፣ ደስ እናበለኒ |
| /ɭ/ ከም < rl > ክኽሰት ይከኣል፤ | ||
| < ærlig > | /'æːɭi/ | ቅኑዕ፣ ሓቀኛ |
| /ʃ/ ከም < rs > ክኽሰት ይከኣል፤ | ||
| < norsk > | /'noʃk/ | ኖርወየኛ |
4) ድምጺ /ŋ/
| እቲ ድምጺ ትንሓግ /ŋ/ ከም < ng> ክገሃድ ይከኣል፤ | ||
| < lang > | /'lɑŋ/ | ነዊሕ |
| < mange > | /'mɑŋe/ | ብዙሕ |
| ብሓፈሻ |
||
| < bank > | /'bɑŋk/ | ባንክ |