8 ስርዓት ኣደማምጻ LearnNoW
MENU
8 Uttale
8 ስርዓት ኣደማምጻ
ምጕዳል/ምቕናስ
ኣብ ምዕራፍ 4፡ ብዛዕባ ዘይድመጹ፡ ዓባሳት ፊደላት፡ ማለት ዝጽሓፉ ግንከ ድሃይ ዘይወሃቦም ተደመጽቲ ኣንቢብካ። ኣብ ገለ ኩነት፡ ኣድማዲ "e" ይጸሓፍ እዩ፡ ግንከ ኣይድመጽን። /e/ ኣብ ዘይጐልሐ ጽምዲ ድምጺ ኣብ መንጎ /t, d, n, l, s/ ን /n/ እንተ ደኣ ሰፊሩ፡ኣይድመጽን እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ /n/፡ ካልኣይ ጽምዲ ድምጺ ስለዘቑውም፡ ጐሉሑ ክድመጽ ኣለዎ። ነዞም ቃላት እዚኣቶም ከተድምጽ ከለኻ፡ ቀጥ ኢልካ ካብ እቶም መወዳእታ ናይ ሓደ ጽምዲ ድምጺ ዝኾኑ /t, d, n, l, s/፡ናብ /n/ ናይ'ቲ ዝስዕብ ጥምሮ ድምጺ ትኸይድ።
| ንጥንቁቕ ኣደማምጻ | ልሙድ ኣደማምጻ | ||
|---|---|---|---|
| tretten | /2treten/ | ዓሰርተ ሰለስተ | /2tretn̩/ |
| boden | /1bu:den/ | መኸዘኒ ክፍሊ | /1bu:dn̩/ |
| vinen | /1vi:nen/ | እቲ ነቢት | /1vi:nn̩/ |
| bilen | /1bi:len/ | እታ ማኪና | /1bi:ln̩/ |
| bussen | /1bʉsen/ | እታ ኣውቶቡስ | /1bʉsn̩/ |
ንኣብነት፡ እዚ ዝስዕብ መምርሒ ንኸተል፡
- ካብ 13 – 19 ንዝርከቡ ቁጽርታት (tretten, fjorten, femten, seksten, sytten, atten, nitten)
- እቶም ኣብ መሰረታዊ ቅዲ፡ ብ/t, d, n, l, s/ ዝውድኡ ተባዕታይ ኣስማት፡ ብንጽል ውሱን መሳርዕ ክረብሑ ከለዉ፡
| en hatt | → | hatten | እቲ ቆቢዕ |
| en bod | → | boden | እቲ መኸዘኒ ክፍሊ |
| en vin | → | vinen | እቲ ነቢት |
| en bil | → | bilen | እታ ማኪና |
| en buss | → | bussen | እታ ኣውቶቡስ |
- ኩሎም ተባዕታይ፡ ኣንስታይን ኣጕልን መሳርዕ ዘለዎም ኣስማት፡ ብዙሕን ውሱን ረባሕታ ክህልዎም ከሎ፡
| en hatt | → | hattene |
| en bod | → | bodene |
| en vin | → | vinene |
| en bil | → | bilene |
| en buss | → | bussene |