12 ወሰኽ LearnNoW
Oppslag i bokmålsordboka - skript
No script
MENU
12.2
12.2 Det (ንሱ/ንሳ፣ ንነገራት)
ኣብ ኖርወየኛ፡ ሓደ ብግቡእ ዝተማለአ ምሉእ ሓሳብ በዓል ቤት ይድልዮ። እቲ ምሉእ ሓሳብ ግዙፋዊ በዓል ቤት እንተ ዘይሓቘፈ ግን፡ det ንጥቀም።
ንኣብነት፡ እዚ ኣገባብ እዚ ምስ ዘይግላውያን ቅድታት ይዝውተር፡
| Det ringer på døra. እቲ ናይ ማዕጾ ደወል፡ ይድወል ኣሎ።/ ዝኸነ ሰብ ናይ ማዕጾ ደወል ይድውል ኣሎ። |
| Det gjør vondt. የቐንዘው። |
ኣብ ምዕራፍ 10 ከም ዝረአናዮ፡ det ምስ ንኩነታት ኣየር ዝገልጽ ኣበሃህላታት'ውን ይዝውተር እዩ፡
| Det er fint vær. ኩነታት ኣየር ጥዑም ኣሎ። |
| Det regner. ይሃርም ኣሎ። |
| Det snør. በረድ ይውድቕ ኣሎ። |
| Det er varmt. ሞይቁ ኣሎ። |
| Det er sol. ጸሓይ ኰይኑ። |